Saturday 19 January 2013

ስነ-ጽሑፍ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ምምጻእ መግዛእቲ




    ቅድሚክልተ ሽሕዓመት ኣቢሉ። ኣኽሱምከምጊላዊት ንግስነትማዕቢላትሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ። እቲ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ፊደላት ብምምሃዝ ጽሑፋት ጀሚሩ ነይሩ’ዩ፣ እዚ  ከም ፉሉይ ኮይኑ ዝርአ። ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ካልእ ፊደላት። ኣብ ዝኾነ ካልእ ክፍልታት ኣፍሪቃ ዘይርከብ ብምዃኑ’ዩ፣ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ፊደላት ብምህላዉ። ስነ-ጽሑፍ ኣብ ሃገርና ቀልጢፉን ብሰፊሑን ክምዕብል’ዩ ዝግባእ ነይሩ፣ ሓደ ካብ’ቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ነገራት። ህዝብና ምስ ክጥቀመሉ ዝኽእልን ኣብ ኢዱ ዝነበረ ፊደላትን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ስነ-ጽሑፋዊ ምዕባለ ዝርከብ ምዃኑ’ዩ፣ ከም’ዚ ክኸውን ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት ብንጹር ንምፍላጥ እኳ። ስፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ጥንታዊ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ሃገርና ምክያድ ዘድሊ እንተኾነ። ሓፈሻዊ ምኽንያታት
ምቕራብ ይከኣል’ዩ፣ ኣቐዲሙ ጥንታውያን ግሪኻውያንን ሮማውያንን በብቋንቁኦም። ብዛዕባሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነ። ብዛዕባ ፍልስፍና።ታሪኽ። ማሕበራዊ ህይወት.. ግጥምታት። ዜማታት። ልብ ወለዳት ይጽሕፉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ፣ እዚ ብጥንታዊ ቋንቋታት ዝድረስ ዝነበረ ስነ ጽሑፋዊ ስርሓት። ብሰፊሑ ይንበብን ኣብ ክብ ዝበለ ትምህርታዊ ትካላት። ከም ትምህርቲ ይውሃብ ከም ዝነበረ።
    በቲ ህዝቢ ክፍለጥን ከም መንቀሊ ናይ ቀጻሊ ጽሑፋት ከገልግልን ከኣለ፣ቋንቋ ግእዝ ግን። ከም ቋንቋ ግሪኽን ላቲንን ዓቢ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን፣ ብቐዳምነት ብግእዝ ዝተጻሕፉ ንሃይማኖት ዘይምልከቱ መጽሓፍቲ ብብዝሒ ዝነበሩ ኣይመስልን፣ ኣብ ሕብረተሰብና ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ዝርከብ ናይ ግእዝ መጽሓፍቲ።ብቐጥታ ብዛዕባ ሃይማኖት’ዩ ዝዛረብ፣ እቲ ከም ‘ፍትሓ ነገስታት’ ዝኣመሰለ ብዛዕባ ሕግን ምምሕዳርን ዝሕብር እንተኾነ’ውን ሃይማኖታዊመበገሲ ዘለዎ’ዩ፣ እዚ እውን ዝበዝሐ ካብ ናይ ጥንቲ ናይ ኢብራይስጥ። ግሪኽ ወይ ዓረብ ዝተተርጎመ እምበር። ኣፍሪቃዊ መሰረት ዝነበሮ ኣይኮነን፣እዚ ኣዝዩ ሕጹር ትሕዝቶ’ዚ። ነቲ ናይ ግእዝ ስነ-ጽሑፍ ናብ’ቶም ዝወለዶም ቋንቋታት ዘመሓላልፎ ውርሻ ውሱን ክገብሮ ግድን’ዩ፣ ካብ’ዚ ዝገደድ ግን።
ግእዝ በተን ዝተፈላለያ ሴማውያን ቋንቋታት ትግረ። ትግርኛ። ኣምሓርኛ እናተተክአ ምስ ከደ ናይ ቤተ ክህነት ቋንቋ ኮይኑ ጥራይ ብምትራፉ። ምስ ስነ- ጽሑፍ ካብ’ቲ ህዝቢ ብምርሓቑን ኢዩ፣ ከም’ዚ ስለ ዝኾነ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን። በቲ ካብ ግእዝ ክወርስዎ ዝግብኦም ዝነበረ ፊደላት ከይተጠቕሙ ስለ ዝተረፉ። ከም መሰረት ናይ ቀጻሊ ምዕባለ ክኸውን ዝኽእል ስነ-ጽሑፋዊ
ታሪኽ ክገድፉ ኣይከኣሉን፣ ከም’ዚክበሃልኣንከሎ።ብፍላይቋንቋትግርኛንምጽሓፍፈተነታትኣይካየድን ማለት ኣይኮነን፣ ንኣብነት ሕግታት እንዳ’ባ ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣቢሉ ክጸሓፍ ጀሚሩ ነይሩ ይበሃል፣ እቲ መበቆላዊ ቅድሓት ናይ’ዚ ሕግታት’ዚ
ግን። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክርከብ ስለ ዘይከኣለን ኩሉ ሕግታት እንዳ’ባብቃልን ልምድን ካብ ዝተመሓላለፈ ተመጻርዩ ኢዩ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ::
    ኢጣልያን እንግሊዝን ብጽሑፍ ክሰፍር ዝኸኣለ፣ ንኣብነት ብዛዕባ መበቆልሕጊ  ‘ኣድከመ ምልጋእ’ ክግለጽ እንከሎ። ኣብ’ቲ መቕድም ከም’ዚ ይብል።“…ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ብቓል ጥራይ ዝነበረ ከይመስለኩም። ኣቦታትና ከምዘዘንተውልና ጽሑፍ’ዩ ዝነበረ። ምቕማጡ ድማ ኣብ ደብሪ ኣቡነ ዮናስ’ዩ ዝነበረ፣ ብኩናትን ህውከትን ጠፊኡ ይበሃል፣” ስርዓት ‘ኣድግን ተገልቦን’ እውን
ተመሳሳሊ ዕድል ከም ዘጓነፎ ይግለጽ፣ ብዘይካ’ዚ ዝተጠቕሰ ሕግታት ካልእ ከም “ክርስቶስ ገብረመስቀል። ሸውዓተ ዓንሰባ..ወዘተ ዝኣመሰሉ። ብጽሑፍ ይሰፍር ነይሩ’ዩ፣ እንተ’ኾነ ግን ፈጺሙ ስለ ዝጠፍአ ወይ ድማ ኣብ ውሱን ቦታታት ተዓቂቡ ስለ ዝተረፈ። ከምመበገሲ ናይ ስነ-ጽሑፍ  ኮይኑ ከገልግል ኣይከኣለን፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ዳርጋ’ቲ ኩሉ ኣብ ሕብረተሰብና ዝነበረ ልምድታት። ያታታት። ጽውጽዋያት። ደርፍታት…ወዘተ ብቓል ጥራይ’ዩ። ካብ ውሉድ ንወለዶ ክመሓላለፍ ዝጸንሐ፣ ላዕሊ-ላዕሊ ክርአ
እንከሎ እዚ ብቓል ዝመሓላለፍ ልምድታት ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ይመስል ይኸውን፣ እንተኾነ ግን ስነ ኣእሙራዊ  ኣቃውማ ናይ ሓደ ህዝብን ደረጃ ምዕባሊኡን ስለ ዝሕብር ከም ፍሉይ ኣርእስቲ ኣሕጽር ኣቢልካ። ምትንታኑ
ጠቓሚ’ዩ::

No comments:

Post a Comment